
ሕልምኹም እትጭብጡሉ፣ ቁጠባኹም እተማዕብሉሉ ማሕበር! ዕቋርን ልቓሕን ቀመር ንበዓል ኣሸንዳ ብዝተዳለወ ፍሉይ መደባት መጺኡ ኣሎ። ገንዘብኩም ዕቆሩ፣ ልዑል ወለድ ተጠቀምቲ ኩኑ።
ቀንዲ ፍሉያት ኣገልግሎታትና
-
ፍሉይ ናይ ዕቋር ኣገልግሎት፦ ብምኽንያት ኣሸንዳ፣ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዓለመ ልዑል ወለድ እትረኽቡሉ ፍሉይ ናይ ዕቋር መደብ ኣዳልይና ኣለና።
-
ቅልጡፍ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት (ካብ ወለድ ናጻ!)፦ ንውልቃዊ ወይ ንንግዲ ዕላማታትኩም ዝሕግዝ ናይ ሓጺር ግዜ ልቓሕ ንህብ ኢና፤ እቲ ልቓሕ ብወለድ ዘይኮነስ ብናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ጥራይ ዝወሃብ እዩ።
-
ቅልጡፍ ምላሽ፦ ሕቶታት ልቓሕ ብእዋኑ ንምምላስ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዝጸድቕ ግልጋሎት ኣለና።
-
ፍሉይ ናይ ዲያስፖራ ኣገልግሎት፦ ንኩሎም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንትነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀሊልን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንህብ፤ ብቐጥታ ብዋትሳፕ ክረኽቡና ይኽእሉ። ገንዘቦም ብምዕቋር ዝሐሸ ወለድን ናይ ልቃሕ ግልጋሎትን ተጠቀምቲ ይኹኑ። አብ ወፃኢ ዓዲ ኮይኖም ንዝዓቁሩ ተገልገልትና ዓዶም ምስ መፁ ናይቲ ዝዓቆርዎ መጠን ገንዘብ ክሳብ 6ተ ዕፅፊ ናይ ልቃሕ ግልጋሎት ዝረኽብሉ አማራፂ ሒዝናሎም መፂና አለና።